ሚለኔም ኣቨይ እዩ?

 

ኣውሮጳውያን ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ሚለኔም ኣኽቢሮም፡፡ እዚ ክስተት ሙሉእ ዓለም መዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ፣ ብዙሓት ንጥፈታት ድማ ተተግቢሮሙሉ፡፡ ሐዚ ድማ  ሃገርና ኢትዮጵያ ድሕሪ ሸውዓት ዓመት ሓድሽ ሚለኔም ተኽብር ኣላ፡፡ ኢትዮጵያ ክትፅዋዕ እንከላ ቅድሚት እትስራዕ ክልልና ትግራይ ምዃና ኣየማትእን፡፡ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝፍለጠሉ ብጥንታዊ ታሪኽ የሓ፣ አኽሱምን ካልኦትን እዩ፡፡

 

ዘይተዓደሉ ኮይኖም ሐዚ ከይተልዓሉ ተሪፎምበር እኒ በለው ከለው፣ መጠራ፣ ደብረቢዘንን ካልኦትን ሐዚ ኤርትራ ኣብ ዘበሃል ዓዲ ዝርከቡ ኣብቲ ታሪኽ ሕዉሳት እዮም፡፡ ሐዚ ኣጋጣሚ ኮይኑ እንተዘይተፀውዑውን ዝላዓልሉ እዋን ይህሉ፡፡

ከም ዕድል ኮይኑ ታሪኾም ገዲፎም ዘይታሪኾም ሒዞም፣ቀደም ዝነበሮም ኣቆፃፅራ ገዲፎም ሓድሽ ኣቆፃፅራ ብመሓዞም እዚ ታሪኻዊ በዓል ሚለኔም ካብ ምኽባር ተኸልኪሎም እዚ ብሓቂ ዘይምዕዳል ይመስለኒ፡፡ ሚለኔም ክጅመር እንተኾይኑ ካብዚ ከባቢ ጀሚሩ ንመላእ ኣፍሪቃ እዩ፡፡ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ጥራሕ ተሓፂሩ ዝተርፍ ኣይኮነን፡፡ ሐዚ ዋላ መሰረቱ ኣብ ኢትዮጵያ እንተኾነ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ኮይኑ ንሙሉእ ኣህጉር ዝጥምትዩ፡፡ ትግራይ እንትብል እቲ ሐዚ ደካማታት ገዛእቲ ወይ መማሓደርቲ ንበሎም ዝሓንፀፅዎ ዶብ ኣብ ግምት ኣእትየ ኣይኮንኩን፡፡ እዚ ንሰብሞያ ታሪኽ ክገድፎ እየ፡፡

 

ብኣቆፃፅራ ግእዝ 2000 ታሪኽ ተፊኡዎምበር ቅድሚ ሚኢቲ ዓመት ዝነበረ ታሪኽ እንተዝፍተሽ ካብዚ ወፃኢ ኣይኸውንን፡፡ እቲ ህዝቢ ብስሩዕ ይቕበሎ እዩ፣ እቲ መርገፂ ዝጠፍኦ ግና እናፈለጠ ኣይቕበሎን፡፡ ዘይመግለፂኡ እንትጥቀም ለውሃት ሰባት የደናግር፣ ንለባማት ድማ ከንፈር የምጥጥ፡፡ ቅዱስ ዮውሃንስ እንትአቱ እንኳዕ ንቕዱስ ዮሃንስ ኣብፃሓካ ዘይኮነስ እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት ኣብፃሓካ እዩ ዝበሃል፡፡ ንሕና ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት ኣብፀሓካ/ ኢና ንበሃሃል፡፡ ካልኦት ክገድፍዎ ዝፍትኑ ኣለዉ ግና ስለዝሸገሮምዩ፡፡

 

ሓድሓደ ጋዜጠኛታት ድማ ኣለዉ ከይፈተዉ ጋዜጠኛታት ዝኾኑ ታሪኽ ኣዛቢዖም ዘሕልፉ፡፡ ናይ መጀመርታ ከተማ ኢትዮጵያ ከተማ ላሊበላ እያ ኢሎም ዝዛረቡ፡፡ ሚለኔም ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 500 .. ርሕቐት /ራዲያስ/ ጥራሕ ገይሮም ዝርእዩ፡፡ ኩሉሻዕ ዘቕርብዎ ዜና ሚለኔም ኣብዚ ከባቢ ዘዕነኒ እዩ፡፡ ኩሎም በፃሕቲ ሚለኔም ኢትዮጵያ ርኢና ክብሉ እንተኾይኖም ናብቲ መበቆል ታሪኽ ኢትዮጵያ ትግራይ መፂኦም ክሪኡ ይግባእ፡፡ ተቆፂሩ ዘይውዳእ ሃፍቲ ቱሪዝም ዘለዋ ክልል ትግርይ ምዃና ኩሉ ክግንዘብ ኣለዎ፡፡

 

ስለዚ በዓል ሚለኔም ምስ ሙሉእ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ቅርስታት ሃፍቲታት ተፀንቢሎም ከኽብሩ ናብ ትግራይ የምርሑ፡፡ ዑደት ብዝገበሩዎም ከባቢታትን ብዝረኣይዎም ታሪኻትን ክሕጎሱ ምዃኖም ሰብ ሙሉእ እምነት ኢና፡፡

 

ሃይለ

ካብ ሓበሬታ ዴስክ ኣከባብራ በዓል ሚለኔምኢት. ክልል ትግራይ