ዜና ሚለንየም
4
ሓምለ 1999 ዓ ም
ፕሮጀክት
ሚሊንየም "ክልተ
ተኽሊ ን2ሽሕ"
ተግባራዊ ንምግባር
ኣብ መላእ ትግራይ
ወፍሪ ተኸላ
ተኻይዱ፡፡ ብፍላይ
ኣብ ፓርክ ሚሊንየም
ክልል ትግራይ ኣባላት
ቤት ምኽሪ
አከባብራ በዓል
ሚሊንየም ኢትዮጵያ
ክልል ትግራይን
ኣባላት ቤት ምኽሪ
ክልል ትግራይን ኣብ
ዝተረኸርቡሉ ብኽቡር
ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ
ፀጋይ በርሀ "ክልተ ተኽሊ
ን2ሽሕ" ዝብል ቢል
ቦርድ ተመሪስቑ፡፡
ድሕሪ እዚ ኣብቲ ስነ
ስርዓት ምረቓ ቢል
ቦርድ ዝትርኸቡ ኩሎም
ኣባላት ቤት ምኽሪ
ኣከባብራ በዓል
ሚሊንየም ኢትዮጵያ
ክልል ትግራይ፣
ኣባላት ቤት ምኽሪ
ክልል ትግራይን
ፃዊዒት ዝተገበረሎም
ነበርቲ ከተማ መቐለን
ናብ ምትካል ፈልሲ
ኣምሪሖም፡፡ ህፃናት
ፈልሲ ናዓበይቲ ወለዲ
ብምቕባል ዝተኸልዎ
ድማ ተረከብቲ ሕድሪ
ምኻኖም ንምርግጋፅ
ሓቢሮም ተኺሎም'፡፡
ኣብዚ ቦታ ልዕሊ
ሓሙሽተ ሽሕ ፈልሲ
ተተኸሉ እዩ፡፡ እዚ
ፕሮግራም ምትካል ተኽሊ
ምስ መዓልቲ ስነ
ህዝቢ ተዋዲዱ
ስለዝተብዓለ
ብዝደመቐ ኩነት ዝተኻየደ
እንትኾን ካበ ወፃኢ
ዝመፁ ተወለድትን
ፈተውቲ ትግራይን
ዝተረኸብሉ ብርክት
ዝበለ ህዝቢ
ተሳቲፉ፡፡
ድሕሪ
ወፍሪ ተኸላ ሓባራዊ
ዘተ ኣባላት ቤት
ምኽሪ ክልልን ኣባላት
ቤት ምኽሪ ኣከባብራ
በዓል ሚሊንየም
ኢትዮጵያ ክልል
ትግራይን ብኣይተ ፀጋይ
በርሀ ርእሰ ምምሕዳር
እናተመርሐ ኣብ
ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት
ርእሰ ምምሕዳር
ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ
መድረኽ ዳሬክተር ቤት
ፅሕፈት ኣከባብራ
በዓል ሚሊንየም
ኢትዮጵያ ክልል
ትግራይ ኣይተ ፍስሃየ
ኣለማየሁ መደባት
ሚሊንየምን
ኣፈፃፅመኦምን ብዝምልከት
መብርሂ ዘቕረቡ
እንትኾን ዕላምኡ ድማ
ኣባላት ክልቲኡ ኣብያተ
ምኽሪ ኣብ ዕላማን
ኣፈፃፅማን መደባት
ሚሊንየም ሓባራዊ
ምርድዳእ ፈጢሮም
ሓባራዊ ምንቅስቓስ
ንምግባር እዩ ነይሩ
ብዓውት ድማ ተዛዚሙ፡፡
ኣብቲ ሓባራዊ መድረኽ
ኣባላት ኦርኬስትራ
ፖሊስ ትግራይ ተረኺቦም
ናእዳ ዝረኸቡ ሓደሽቲ
ዜማታት ሚሊንየም
ኣቕሪቦም፡፡
ቅድም
ክብል ዕለት 28
ጉንቦት መዓልቲ ስነ
ከባቢ ኣብ ዝተኸበረሉ
እዋን ንመትከሊ ዝኾኑ
ጎዳጉዲ ኣብ መላእ
ትግራይ ከምዝተዃዓቱ
ይፍለጥ፡፡
'
ቤት ፅሕፈት ኣከባብራ
በዓል ሚሊንየም
ኢትዮጵያ ክልል
ትግራይ
ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና
ናብ ዝማዕበለት
ትግራይ!